English
Norsk
አማርኛ
ትግርኛ

ነተኩረሎም

አተኣባብያ ቆልዑ ኣብ ኖርዌይ

አታኣባብያ ቆልዑ ምስ ቆልዑ ንዘሎ ዝሃሸ ርክብ ዝምልከት ኮይኑ ባዓል 8 ነጥቢ ሃሳብዩ።

”ዝፀበቐ ሃባራዊ ርክብ ምስ ቆልዑ፣ 8 ነጥቢታት፣

ምስ ደቅኻ ዝጸበቕ ርክብ ከመይ ክህልወካ ከምዝክዕል ትሃስብዶ? ናይወለዲ መማክርቲ ፕሮግራም ናዕሽቱ ቆልዑ ንዘለዎም ወለዲ ዘገልግል ባዓል 8 ነጥቢ ጽቡቕ ምኽሪ አዳሊዩሎ። ብከምዚ ምስደቅካ ዝሃሸ ርክብን ምርድዳዕን ክህልወካ ይክዕል።

አወንታዊ ስሚዒት አርኢ-ንዉላድካ ከምትፈትዎ ግለጸሉ

ንናይ ቆልዑ ውህስነት ንስኻ ብእኡ ህጉስ ምዃንካ ሃልዮት ሃጎስን ውዕውዕ ስሚኢትን ከተርዕዮ አገዳሲዩ።ናዕሽቱ ቆልዑ ጌና ዘረባ ከይርድዖም ከሎ ፍቅርን ምንጻግን ሃዘንን ሃጎስን ይርድዖምዩ።

እዚ ብብዙህ መንገዲ ከትግበር ይክዕልዩ፣ አትገባብርኡ ከዓ ከምቲ ዕድመ ናይቆልዑ ክፈላለይ ግድንዩ።

  • ብሃባር ምስሃቕን ፍሽኽ ምባልን
  • ብምህቛፍ
  • አወንታዊ ምድራዝ
  • ብምውዛይን ሐበራዊ ስሃቅን
  • ልዙብን ፍቅራዊን ቃላት ጌርካ ምዝራብ
  • አብ ባህሪያዊ ኩነታት ንውላድካ ትፈትዎ ምዃንካ ብምንጋርን

አታሃሳስባ ናይቲ ቆልኣ ብምርዳእ ንተበግሶኡ ተኸታተል

ምስ ውላድካ ብሃንሳብ አብዘለካሉ ግዜ እቲ ቆልዓ እንታይ ከምዝደሊ አቓልቦ ክትገብረሉ ኣገዳሲዩ።እንታይ ከምዝገብርን እንታይ ከምዝስምዖን ኮታ ኣብቲ ናይቆልዓ ሂወት ኣቲኻ ኩነታት እቲ ቆልዓ ምፍላጥን ነቲ ቆልዓ ዘገድሱ ነገራት ምፍላጥን።ሽዑ እቲ ቆልዓ ብዛዕብዑ ከምትሃስብ ክስምዖዩ።

ኩሉ-ቆልዐ ኮነ አቢ- ብካልዕ ክቃለበሎም ይደልዩዮም።አብ ውሽጢ ፍሉጥ ወሰን ይኩንደዓንበር፣ ቆልዓ አብ ክንዲ ብካልዕ ተደፊዑ ጥራይ ክገብር ናይባዕልሉ ሃሳብ ክኽተል ምፍቃድ ንምዕባሌኡ አገዳሲዩ።ቀልቲፍካ ንቅድሚት ከይትስጉምን ነቲ ቆልዓ ካብ ኣቕሙ ንላእሊ ከይኮኖን ምጥንቃቕ የድሊ።ብናታቶም ተበግሶ ክመጹ ግዜ ምሃብ። እዚ ማለት ግን ቆልዓ ከምድላዩ ከዕዝዘካ ማለት ኣይኮነን።

  • ቆልዓ ብዝተወከሰካ መልሲ ሃብ
  • ናይ ቆልዓ ምንቅስቃስን ተግባራትን ተኸታተል
  • ቆልዓ እንታይ ከምዝደልን ከምዝገብርን ርኤ
  • ናይ ቆልዓ አካልዊ መልዕኽትታት ተረዳእ
  • ቆልዓ እንታይ ክምዝደለየን ከምዝስምዖን ገምት
  • ቆልዓ እንታይ ክምዝደለየን ከምዝስምዖን መልስ
  • ናትካ ተግባር ምስ ህልው ኩነታት ቆልዓ አማኣራርዮ
  • ቆልዓ ንዝገብሮ ነገር ተገዳስነት አርኢ

ምስዎላድካ በቲ ዘገድሶ ነገራት ተዛረብ

ዋላ ድህሪ ሃጺር ጊዜ ድህሪ ምውላዶም ብምጥምማት፣ ብፍሽክታ፣ምንቅስቃሳት ብምቅይያርን ናይ ሃጎስ ቃላት ብምድግጋምን ስሚኢታዊ ዝርርብ ምግባር ይከዓልዩ።አብቲ እቲ ቆልዓ ዝገብሮን ዝግደሰሉን አወንታዊ ሪኢቶ ምሃብ ትክዕል ኢኻ። እቲ ቆልዓ ናይ ሃጎስ ድምጽታት ምብውጻዕ ይምልሰልካዩ። እዚ ዝርርብዚ ቆልዓ ምሳኻ ንክታሓሓዝን ከምዑውን ምስ ካልዖት ብሃባር ምዃን ከመሃርን ቁንቋ ከማዕብልን አገዳሲዩ።ወላ አበይቲ ቆልዑ ክእመኑን ናይ ገዛዕ ርዕሶም ጉዳይ ክዛረቡን ቀጥታዊ ናይ ቀረባ ምዝርራብ የድልዮምዩ።

  • ናይ ቀረባ ዝርርብ
  • ናይ ቀረባ ርክብ
  • እምነትን ሚስጢራውነትን
  • ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማት
  • ሪትሚክ ሳምስፒል ወይ ረምታዊ ሃባራዊ ብመገዲ ኣካላዊ ቋንቋ
  • ምልውዋጥን ምቕድዳህን አወንታዊ ምንቅስቃሳት
  • ብሃባራዊ ምልውዋጥ ቃላት፣ስሚዒትን ሃሳብን ምዝርራብ

ቆልዓ በቲ ክገብሮ ዝከዓሎ ነገር ንዓዶን አፍልጦ ሃቦን

ሃደ ቆልዓ ነፍሰ ምትዕምማን ክገብርን ሃዱሽ ነገር ክፍትን ዓቅሊ ከጥርን፣ ዝገበሮ ነገር ጥቅሚ ከምዘለዎን ሃደ ነገር ከምዝረከበሉን ንክስምዖ ክትገብሮ ይግባዕ። እዚ እቲ ቆልዓ ሃደ ፅቡቕ ነገር ክገብርን ከሎ ብአወንታ ብምምላስ፣ናዕዳ ብምሃብ፣አይናይን ስለምንታይን ፅቡቕ ከምዝኮነ ብምግላፅ ክትግበር ይከዓል።ቆልዓ ቆላህታ ይረክብ ከምዘሎ ክስምዖ ኣገዳሲዩ።ብከምዚ ከዓ ቆልዓ ክውን ዝኾነ ርዕሰ-ተዓማንነት የማዕብል።

  • ነቲ ቆልዓ ጠምቶ
  • ዓይኒ ንዓይኒ ምርዕዓይ
  • ምስ ፍሽክታን ሰላምታን ተቐበሎ
  • ንአወንታዊ ምድራዝ ከም መልሲ ተጠቐሞ
  • ቃላታዊ መረጋገጺ ሃብ
  • ናዕዳን አፍልጦን ሃብ
  • ከምዚ በል ”እዚ ግሩም ጽቡቕ”፣ ”ከምዚ ጽቡቕዩ ምክንያቱ . . .” እንዳበልካ ምስ ምኽንያት ጽቡቕነቱ ንገሮ

ኣቃልቦ ቆልዓ ናብ ሃባራዊ ተሞክሮን ግንዛቤን ምጥርናፍ

ቆልዑ ብዙህ ጊዜ ኣቃልቦዖም ንምጥርናፍ ሃገዝ የድልዮምዩ።ዝለዚ ናይ ቆልዓ ኣቃልቦ ናብቲ አብ ከባቢኹም ዘሎ ብምጽዋዕን ብምምራህን ክትህግዞ ትክዕል ኢኻ።ንዓብነት ”ረዔ. . . ኣብዚ . . . ”ትብሎሞ ናብቲ ኣቃልቦኡ ክህብ ዝደለካዮ ጉዳይ ትመርሆ፣ ወይ ከዓ ምዕንቲ ሃበራዊ ኣቃልቦ ክህልወኩምሲ ነቲ ቆልዓ መሲጥዎ ናብዘሎ ጉዳይ ንስኻውን ተቃልብ። ብዙህ ጊዜ ዝረኣይ ግና ኣቃልቦ ቆልዓ ኣብ ሃደ ኣቃልቦ ወላዲ ከዓ ኣብ ካልእ ኮይኑዩ።ብዘይ ሃበራዊ መረዳእታ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ጉዳይ ከዓ ብዛዕባ ሃደ ሃሳብ ክትዛረብ ወይ ሃደ ኣይነት ግብሪ ክትገብር ኣጸጋሚ እዩ። ሃበራዊ መረዳእታ ወይ ተመሳሳሊ ኣቃልቦ ንጽቡቕ ርክብን ምርድዳእን ክማላእ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

  • ናብቲ ነቲ ቆልዓ ኣቃልቦዑ ውሒጡ ዘሎ፣ ዝርእዮ ዘሎን ኣገዲስዎ ዘሎን ብምክትታል ኣስትውዕልሞ ብሃባር ኣቃልቡ
  • ናይ ቆልዓ ኣቃልቦ ናብ ዝርዝርን መለለይ ጠባይ ነገራትን ንክምለስ ብምግባር ናይ ሃባር ኣቃልቦ ምፍጣር፡ ”ርኤ፣ ናዓ” . . .

ንተሞክሮታት ብምግላጽን ውዕውዕ ስሚዒት ብምርዓይን እንዳስተማቀርካ ትርጉም ምሃብ

ቃላት ብምጥቃም፣ ሽም ብምሃብን ነገራት ከመይ ክምዝሰርሁ ብምግላጽን ከምዑውን ኣብቲ ናይ ሃባር ተሞክሮታትኩም ናትካ ስሚኢት ምርዓይን ነቲ ተሞክሮ እቲ ቆልዓ ከም ኣድላይን ኣሐጓስን ጉዳይ ጌሩ ንክዝክሮ ይገብሮ። ምዕንቲ እቲ ቆልዓ ነቲ ኣብ ከባቢዑ ዝፍጸም ዘሎ ጉዳይ ከም ዝጠቅምን ትርጉም ዘሎዎን ጌሩ ክሪኦስ፣ ኣበይቲ ብቃላት ብጉቡዕ ክገልጹሉ የድሊ።ሽዑ እቲ ቆልዓ ውህስነት ይስምኦ።በዚ መንገዲዚ ከዓ ንዓብነት ቁንቋ ይመሃር ከምዑውን ምስካልዖት ብሃባር ምስራህ ይመሃር።እዚ ብዙህ ጊዜ ቆልኡ ውልድ ምስበሉ ጀሚሩ ባእሉ ዝፍጸምዩ፣”ህጂ ፓምፐር ክንቅይር ኢና፣ ቆሲልካ ዲኻ ኣብ መቐመጫኻ?”

  • ምስቲ ቆልዓ ብዛዕባ ብሃባር ትሪኢዎን ትገብሩዎን ተዛረብ
  • ነቲ ትሪእዎ ግለጾ፣ ሽም ሃብ
  • ነገራት ከመይ ከምዝሰርሁ አርኢ
  • ነቲ ብሃባር ትሪኢዎን ትገብርዎን ውዕውዕ ስሚኢትን ተገዳስነትን አርኢ

ንሃባር ተሞክሮታት ብግቡዕ ተንትኖን ግለጾን

ምእንቲ ቆልዓ ዝያዳ አብ ዙሪኡ ዘሎ ክፈልጥ፣ሰባት ክገልፁሉን ስለምንታይ ነገራት ከምኡ ይኾኑለው ታርኽ ክነግርዎን አገዳሲዩ።ንናእሽቱ ቆልዑ ኣታሃሳስብዖም ንምግፋህ እቲ ህጂ ትሪኢዎን ትገብርዎን ምስ ቅድሚ ህጅ እቲ ቆልዓ ዝርአዮ ብምንጽጻር ምግላጽ ጠቃሚዩ።”ይዝከረካዶ ኣብ. . . ከለና? ሽዑ ከማን ከምዚ ምሽ ርዒና. . . ? ” እቲ ቆልዓ እንዳበየ ምስዝከይድ ታሪኻት ምትራኽ፣መግለጺታት ምሃብ፣ህቶታት ምህታት፣ ፍልልያትን ተመሳሳልነትን ምድላይ ወ.ዘ.ተርፈ ዝኣመሰሉ ክንገሮ ይከዓል።ብከምዚ ከዓ ካብቲ ዝሪኦን ዝገብሮን ዝለዓለ ነምህሮ። ኩሎን እዚኦም ንናይ ቆልዓ ብልህን ምዕባለን አገደስቲዮም።

  • ኣብራሃሉ፣ ነገራት ንምንታይ ከምዚ ይኮኑለው ግለጸሉ ምክንያቱውን ኣብራሃሉ
  • ምስ ናይካልዕ ግዜ ተሞክሮ ተመሳሳሊነትን ፍልልይን ኣነጻጽር
  • ህሉፍን መጻእን ዘሎዎም ምትዕስሳር ድለ
  • ነቲ ብሃባር ትምኮርዎ ታሪኻት ኣዳሉን ንገሮን
  • ካብቲ ብሃባር ትምኮርዎ ስዕሊ ሰዓል፣ብዛብዑ ስዕሊ ረአዩ፣ተዋስዖ ስራህ

ብሃባር ፕላን ኣውጽኡ፣ ኣወንታዊ ውስኑነትን ድሩትነትን ግበሩ

ቆልዓ ነብሱ ክቆጻጸርን መደብ ከውጽዕን ሃገዝ የድልዮዩ።እዚ ብዓብዩ አቢ ሰብ ብአወንታዊ መገዲ ነቲ ናይቲ ቆልዓ ተበግሶ ከይመንጠለ ምስዝመርሆ ይትግበር።እንድህር ቆልዓ ንዓይ ይጥዓመኒን ስስዐን ከምዑውን ምስካልኦት ቆልዑን አበይቲን ናይ ምዃን ህግታት ናይምጥሃስ ዝንባሌታት የምዕብል ሃልዩ፣ ኣላይኡ ስጉምቲ ክወስድን እቲ ዝተፈቅደሉ ገደብ አወንታዊ ብዝኮነ መንገዲ ከፍልጦን ስለምንታይ ከምዚዖም ዝዐመሰሉ ፍቑዳት ከምዘይኮኑ ክገልጸሉ ኣገዳሲዩ።አብ ክንዲ ኩልግዜ ምኽልካልን ኣይፋል ምባልን፣ብአወንታዊ መንገዲ ምምራህን ምስኡ ኴንካ ንክገብሮ ዝፍቀዶ ነገራት ምርዓይን አገዳሲዩ። መብዛህትኡ ግዜ ቆልዓ ክርብሽንከሎ ናይወለዶ ኣቃልቦ ምድላዩ እዩ።

  • ንናይ ቆልዓ ንጥፈታት ዝጥዕሙ ኩነታት አማኣራሪ፣ ንዓብነት ብንእሽቱኡ ከሎ ዝፈርሆም ዝነበሩ ነገራት እለየሉ
  • ናይቲ ቆልዓ ምንቅስቃስ ብምንዓድ፣ብምርዓይን እንታይ ክገብር ከምዘሎዎ ብምንጋርን ምርሐዮ
  • ደርጃ ብደረጃ መደብ ከውጽእ ሃግዞ
  • ኣብድሌት ናይቲ ቆልዓ ብምምርካዝ ሃገዝ ሃብ፣ ምዕንቲ ባዕሉ ከምዝገበሮ ክስምዖ ከዓ ክሰርሆ ምስጀመረ ኣንሳህብ
  • ኩሉ ክዕለታቱ ብምጥቃም ክምልሶን ክፍጽሞን ዝክዕል ስራሃት ብምሃብ ኣበራትዓዮ
  • ብአወንታዊ መንገዲ ክገብሮ ንዝፍቀደሉ ነገራት ንጹር ዝኮነ ዶብ ግበረሉ።እንታይ ከምዝፍቀዶን ዘይፍቀዶን ግለጸሉ
  • ሃደ ቆልዓ ካብሃደ ነገር ክኽልከል ከሎ ምኽንያት መከልከሊኡ ግለጸሉ።ንቆልዓ ”ክጋገ” ከሎ ካብቲ ጌግኡ ናብ ካልዕ ዓማራፂ ንጥፈታት ብምምልካት ከምዝዕለ ግበሮ

ብዛዕባ አተኣባብያ ቆልዑ ኣብ ኖርዌይ ብዙህ ሃበሬታታት ይርከብዩ። ንዝበለጸ ኣብዚ ራኣዩ http://bestill.bufdir.no/pub/familievern/foreldreveiledning/8-tema-for-godt-samspill

ክትረኽቡና ትደልዩዶ?

THI – TVERRKULTURELL HELSEINFO 

Organisation no.: 916497997

Contact person: WOLELA HAILE – MANAGER

Tel.: +47 936 019 48

Adress: Brugata 1, 0186 Oslo

E-mail: wolela@tverrkulturellhelse.info