ብዛዕባ ክንሻቦን ፣ንክንሻቦ ዝተቃልዓ ደቀ–አንስትዮ ክረክባኦ ንዝክዕላ አገልግሎት ጥዕናን፣ ብዝምልከት ዘሎ ፍልጠት ክብ ምባል
ብ2016ን ብ2017ን THI ካብ IMDi ብዛዕባ ክንሻቦን ንክንሻቦ ዝተቃልዓ ደቀ-አንስትዮ ክረክባኦ ንዝክዕላ አገልግሎት ጥዕናን ብዝምልከት ዘሎ ፍልጠት ንምውሳኽ ንክሰርህ ዘክዕሎ ሃገዝ ገንዘብ ረኺቡ ኔሩ።
- ብዛዕባ አተኣባብያ ቆልዑ አብ ኖርዌይ ዘሎ ፍልጠት ክብ ምባል
ብ2016ን,2017ንን 2018ን THI ካብ Bufdir “አብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ተቐማጦ ኖርዌይ ፣ ብዛዕባ አተኣባብያ ቆልዑ አብ ኖርዌይ ዘሎ ፍልጠት ክብ ምባል” ንዝባሃል ፕሮጀክት ዝውዕል ሃገዝ ገንዘብ ረኺቡ ኔሩ።
- ፕሮጀክት ኖ ኣንፃር ጽልኢ አብልዕሊ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት
THI ካብ መምርሂ ጥዕና ማለት Helsedirektoratet ንፕሮጀክት ‘ኖ ኣንፃር ጽልኢ አብልዕሊ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት’ ናይ ገንዘብ ሃገዝ ረኪቡ።
THI ዘይደቅ-ሃገር ዝኾኑ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት ብዝተካዕለ መጠን ንቡር ሂወቶም ብዘይ ምግላልን ፅልኢን ንክነብሩ የምህርን ግዴዑ ይፍፅምን። በዚ ተግባር ከዓ ዘይደቅ-ሃገር ዝኾኑ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት ዕኹል ዝኾነ ሃበሬታ ይረክቡሞ ሂወቶም ብዘይ ምግላልን ፅልኢን ይነብሩ ማለትዩ።
THI ብዛዕባዚ ፕሮጀክት ምስ HIVNorgeን Akseptን ይሃብር። ዘይደቅ-ሃገር ሰባት ካብ HIVNorgeን Akseptን ንኽጥቀሙ ዘድሊ ሃበሬታ አብ ምሃብ THI ይነጥፍ።
ከምኡውን THI ምስ ዘይደቅ-ሃገር ሰባት ማህበራት ዕምነትን ሃይማኖታትን ብዛዕባ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት ሃበሬታ ይህብ፣ ዝተፈላለዩ ዘርእሳቶም ብሮሹራት ይዕድል። ዕላማ ናይዚ ኣብ ከባቢታት ዘይደቅ-ሃገር ብዛዕባ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ዘሎ ነውርን ፅልኢትን ምክልኻልዩ።