English
Norsk
አማርኛ
ትግርኛ

ኮሮና ቫይረስ

እቲ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ – 19 Covid-19) 

  • እዚ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ። እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ፍዅስ ዝበለ ጽልኣት (ቀጨውጨው) ጥራይ እዩ ዘኸትል። ገለ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ሽምግል ዝበሉ ወይ ከኣ ኣቐዲሞም ሕማም ዝጸንሖም ኣጸቢቖም ክሓሙ ይኽእሉ። ስለዚ፡ እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ከይላባዕ’ሞ ሰባት በቲ ሕማም ከይልከፉ ኵሉ ሰብ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ።
    እንተ ደኣ በዚ ሕማም ተለኺፍካ፡ እቲ ምልክታት ናይ ሕማም ክረኣየካ ካብ 0 ክሳዕ 14 መዓልታት ክወስድ ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 5 ክሳዕ 6 መዓልታት እዩ ዝወስድ። ሓደ ሰብ ነቲ ሕማም ዝያዳ ናብ ኻልእ ሰብ ከላግብ ዝኽእል ኣብቲ ምልክታት ዝረኣዮ እዋን እዩ።
  • ረስኒ፡ ሑእ ምባል ወይ ናይ ምስትንፋስ ጸገም እቲ ልሙድ ምልክታት ናይቲ ሕማም እዩ። ገለ ሰባት ናይ ሳንቡእ ረኽሲ የማዕብሉ፡ ምስኡ’ውን ናይ ምትንፋስ ጸገም ወይ ካልእ ከቢድ ሕማም የስዕበሎም።

    እቲ ሕማም ከይለግበካ ንምክልኻል እዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣለካ፡
    ርሕቀት ሓሉ!
    • ዝሓመምካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ካብ ገዛ ኣይትውጻእ።
    • ካብ ገዛ ከይትወጽ ዝብል መልእኽቲ እንተ ተነጊሩካ ካብ ገዛ ኣይትውጻእ (ምውሻብ ወይ
    ምግላል)።
    • ዝከኣል እንተኾይኑ – ካብ ካልኦት ሰባት ሓደ ሜትሮ ክትርሕቕ ፈትን።

    ጽሬት ኣእዳውካ ብግቡእ ሓሉ።
    • ኣእዳውካ፡ ደጋጊምካ ጽቡቕ ገይርካ ተሓጸብ።
    • ደገ ወጺእካ ምስ ሰባት ተሓውሲካ እንተ ጸኒሕካ።
    • ናብ ዓይኒ ምድሪ / ሽቓቕ ኣቲኻ እንተ ጸኒሕካ።
    • ሑእ ወይ ፊጥ ወይ ሕንጥሸው እንተ ኢልካ።
    • ምግቢ ክተዳሉ ወይ ከኣ ክትበልዕ እንተዄንካ።
    • ሳሙና ወይ ማይ ኣብ ቀረባ እንተ ዘይብልካ ጸረ ረኽሲ ፈሳሲ (desinfeksjonsmiddel) ተጠቐም።

    ኣብ ትስዕለሉ ወይ ሑእ ትብለሉ እዋን ግቡእ ጽሬት ሓሉ!
    • ናብ ካልኦት ገጽካ ምስዓል ወይ እንጥሾው ምባል ኣወግድ።
    • ሕንጥሸው ክትብል ከለኻ ሶፍት ተጠቒምካ ደርብዮ፡ ድሕሪኡ ኣእዳውካ ተሓጸብ!
    • ሶፍት እንተ ዘይብልካ ኣብ መቓቕሮ ቅልጽምካ ሰዓል ወይ ሑእ በል።

    እቲ ሕማም ለጊቡኒ ኣሎ ኢልካ እንተ ኣሚንካ፡
    • እቲ ሕማም ለጊቡኒ ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ምስ ዝሓድረካ ካብ ገዛ ክትወጽእ የብልካን።
    ሕክምናዊ ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፡ መጀመርያ ምስ ቀዋሚ ሓኪምካ ብቴለፎን ክትራኸብ ፈትን፡
    እዚ እንተ ዘይሰሊጡ ኣብ ቍጽሪ ቴለፎን 116 117 ናብ ህጹጽ ሕክምና ደውል።

    ሓድሽ ምዕባለታት ተኸታተል!
    • መንግስቲ ንኹላቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ኣገዳሲ
    ሓበሬታን ምኽርን ኣብ መርበብ ኢንተርነት www.fhi.no ከምኡ’ውን ኣብ www.helsenorge.no
    ከንብቡ ይምሕጸኖም። እቲ ምኽርታት ብቕልጡፍ ዝቀያየር ኮይኑ፡ እቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ብቋንቋ
    ኖርወይን እንግሊዝኛን እዩ። ነቲ ሓበሬታ ምርዳእ ዝጽግመካ እንተኾይኑ፡ ገለ ትፈልጦም ሰባት
    ክሕግዙኻ ክትሓትት ነተባብዓካ።

ክትረኽቡና ትደልዩዶ?

THI – TVERRKULTURELL HELSEINFO 

Organisation no.: 916497997

Contact person: WOLELA HAILE – MANAGER

Tel.: +47 936 019 48

Adress: Brugata 1, 0186 Oslo

E-mail: wolela@tverrkulturellhelse.info