English Norsk አማርኛ ትግርኛ ኮሮና ቫይረስ እቲ ሓድሽ ኮሮና ቫይረስ (ኮቪድ – 19 Covid-19) እዚ ሓድሽ ኮሮናቫይረስ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ። እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ፍዅስ ዝበለ ጽልኣት (ቀጨውጨው) ጥራይ እዩ ዘኸትል። ገለ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ሽምግል ዝበሉ ወይ ከኣ ኣቐዲሞም ሕማም ዝጸንሖም ኣጸቢቖም ክሓሙ ይኽእሉ። ስለዚ፡ እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሕብረተሰብ ከይላባዕ’ሞ ሰባት በቲ ሕማም ከይልከፉ ኵሉ ሰብ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ።እንተ ደኣ በዚ ሕማም ተለኺፍካ፡ እቲ ምልክታት ናይ ሕማም ክረኣየካ ካብ 0 ክሳዕ 14 መዓልታት ክወስድ ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 5 ክሳዕ 6 መዓልታት እዩ ዝወስድ። ሓደ ሰብ ነቲ ሕማም ዝያዳ ናብ ኻልእ ሰብ ከላግብ ዝኽእል ኣብቲ ምልክታት ዝረኣዮ እዋን እዩ።ረስኒ፡ ሑእ ምባል ወይ ናይ ምስትንፋስ ጸገም እቲ ልሙድ ምልክታት ናይቲ ሕማም እዩ። ገለ ሰባት ናይ ሳንቡእ ረኽሲ የማዕብሉ፡ ምስኡ’ውን ናይ ምትንፋስ ጸገም ወይ ካልእ ከቢድ ሕማም የስዕበሎም።እቲ ሕማም ከይለግበካ ንምክልኻል እዚ ዝስዕብ ክትገብር ኣለካ፡ርሕቀት ሓሉ!• ዝሓመምካ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ ካብ ገዛ ኣይትውጻእ።• ካብ ገዛ ከይትወጽ ዝብል መልእኽቲ እንተ ተነጊሩካ ካብ ገዛ ኣይትውጻእ (ምውሻብ ወይምግላል)።• ዝከኣል እንተኾይኑ – ካብ ካልኦት ሰባት ሓደ ሜትሮ ክትርሕቕ ፈትን።ጽሬት ኣእዳውካ ብግቡእ ሓሉ።• ኣእዳውካ፡ ደጋጊምካ ጽቡቕ ገይርካ ተሓጸብ።• ደገ ወጺእካ ምስ ሰባት ተሓውሲካ እንተ ጸኒሕካ።• ናብ ዓይኒ ምድሪ / ሽቓቕ ኣቲኻ እንተ ጸኒሕካ።• ሑእ ወይ ፊጥ ወይ ሕንጥሸው እንተ ኢልካ።• ምግቢ ክተዳሉ ወይ ከኣ ክትበልዕ እንተዄንካ።• ሳሙና ወይ ማይ ኣብ ቀረባ እንተ ዘይብልካ ጸረ ረኽሲ ፈሳሲ (desinfeksjonsmiddel) ተጠቐም።ኣብ ትስዕለሉ ወይ ሑእ ትብለሉ እዋን ግቡእ ጽሬት ሓሉ!• ናብ ካልኦት ገጽካ ምስዓል ወይ እንጥሾው ምባል ኣወግድ።• ሕንጥሸው ክትብል ከለኻ ሶፍት ተጠቒምካ ደርብዮ፡ ድሕሪኡ ኣእዳውካ ተሓጸብ!• ሶፍት እንተ ዘይብልካ ኣብ መቓቕሮ ቅልጽምካ ሰዓል ወይ ሑእ በል።እቲ ሕማም ለጊቡኒ ኣሎ ኢልካ እንተ ኣሚንካ፡• እቲ ሕማም ለጊቡኒ ኣሎ ዝብል ጥርጣረ ምስ ዝሓድረካ ካብ ገዛ ክትወጽእ የብልካን።ሕክምናዊ ሓገዝ እንተ ኣድልዩካ፡ መጀመርያ ምስ ቀዋሚ ሓኪምካ ብቴለፎን ክትራኸብ ፈትን፡እዚ እንተ ዘይሰሊጡ ኣብ ቍጽሪ ቴለፎን 116 117 ናብ ህጹጽ ሕክምና ደውል።ሓድሽ ምዕባለታት ተኸታተል!• መንግስቲ ንኹላቶም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት፡ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝምልከት ኣገዳሲሓበሬታን ምኽርን ኣብ መርበብ ኢንተርነት www.fhi.no ከምኡ’ውን ኣብ www.helsenorge.noከንብቡ ይምሕጸኖም። እቲ ምኽርታት ብቕልጡፍ ዝቀያየር ኮይኑ፡ እቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ብቋንቋኖርወይን እንግሊዝኛን እዩ። ነቲ ሓበሬታ ምርዳእ ዝጽግመካ እንተኾይኑ፡ ገለ ትፈልጦም ሰባትክሕግዙኻ ክትሓትት ነተባብዓካ። ምትሕልላፍ ሕማም ክትቋጻጸረሉ እትኽእል ልምዲ ኣብ oslo.kommune.no ሓበሬታ ትረክብ ኢኻ ንነፍስ ወከፍ ካብ ገዛ ከይወጽእ ተንጊርዎ/ዋ ዘሎ ሰብ ሓበሬታ አብ www.fhi.no ትረክብ ኢኻ ተወሳኽ ሓበሬታ ካብ HivNorway ብዛዓባ ኤች አይ ቪን ኮሮና ቫይረስን: ኮሮና ቫይረስን አች ኣይ ቪን ዝተሓደሰ ሓበሬታ ብዛዕባ ፖሊክሊኒክ ፍወሳ ረኽስታት (infeksjonsmedisinsk poliklinikk) ኣብኡለቫልሆስፒታል ክትረኽቡና ትደልዩዶ? THI – TVERRKULTURELL HELSEINFO Organisation no.: 916497997Contact person: WOLELA HAILE – MANAGERTel.: +47 936 019 48Adress: Brugata 1, 0186 OsloE-mail: wolela@tverrkulturellhelse.info SHARE: Facebook Twitter