ክንሸባ እንታዩ?
”ክንሻቦ ንዝኾነ አይነት ጥቅኣት ግዳማዊ አካላት መፍረ አዋልድን አንስትን ዘጠቃልል ኮይኑ፣ ህክምናዊ መሰረት ዘይብሉ ነቲ ደጋዊ ክፋል ብልዕቲ ብሙሉዕ ወይ ብተወሰነ ምውጋድ ወይ ምቑራፅ ወይ እጉት ህርሲ ዘስዕብ ጉድኣት ዝአምሰለዩ።”
ክንሸባ ሃሳይ ጥዕናዊ ሳዕቤናት ዘስዕብ አብ ብዙሃት ሃገራት አፍሪቃን ማዕከላይ ምብራቅን ዝዝውተር ግብሪዩ። ክንሸባ አብ ኖርወይ ዘይህጋዊ’ዩ። ሰበ-ስልጣን ኖርወይ አንፃር ክንሸባ ብዝህ ዝበሉ ተበግሶታት አውፂኦምዮም። ካብዞም ሃደከዓ ክንሸባ ልሙድ ካብዝኮኑሎም ሃገራት ንዝመፁ ዘይደቅ-ሃገር ሰባት ዝአመተ ሃበሬታ ምሃብ ይርከቦ። እዚ ሃበሬታ ብ NKVTS ዝተዳልዎን ዝርከብንዩ። THI እዚኦም ሃበሬታታት ብዝያዳ ንዘይደቅ-ሃገር ሰባት ቁሩብ ክኾኑ ምዕንቲ ብሴሚናራትን ብብቁዕ ንዉልቀሰባት ብምምሃርን ይሰርህ።ብተወሳኺ እዚ ሃበሬታ ናብ ዌብሳይት NKVTS ብምክፋት ክርከብ ይከዓል Forebyggende arbeid mot kjønnslemlestelse።
ንክንሻቦ ምክልካልን ንዝተከንሸባ ምህካምን
ቀጺሉ ዝስዕብ ጽሁፍ ካብ መምሪሂ ጥዕና ዝተረኽበዩ።
ሰብ ሞያ ህክምና አብዘን ዝስዕቡ ጉዳያት ሃገዝ ክገብሩ ይግባዕ
- ድህረ-ባይትኦም ክንሸባ ልሙድ ካብ ዝኮነሎም ሃገራት ንዝኮኑ አዋልድ ንከይክንሽባ ምክልኻል።
- ዝምልከቶም ሰባት ብዛዕባ ክንሸባ ህግ ምጥሃስ ምዃኑ፣ኣብ ጥዕና ዘስዕቦ ፀገማትን ክርከቡ ዝክዕሉ ህክምናታትን ብዝምልከት ጽቡቕ ሃበሬታ ንኽረኽቡ ምህጋዝ።
- ብሰንኪ ክንሸባ ናይህክምና ሃገዝ ዘድልዮም ሰባት ብእዋኑ ክረኽቡ ምህጋዝ።
ብዛዕባ ክንሽባ አብ ዝግበር ዘተ፣ ጽቡቕ ሃበሬታ ክህሉን ጽቡቕ ርክብ ክፍጠርን ይግባዕ። እቲ ባዓል ጉዳይ ናይ ኖርዌጅያን ቁንቁዋ ህጽረት እንተሃልዩዎ ተርጓማይ ምዕዛዝ ይግባዕ።
ንዝበለጸ ኣብዚ ኣንብቡ https://helsedirektoratet.no/asylsokere-flyktninger-og-innvandrere/forebygging-og-behandling-av-kjonnslemlestelse
ከምዑውን ነዚ ራዓዩ Lokalt mot: Lokalt samarbeid mot æresrelatert vold, tvangsekteskap og kjønnslemlestelse.
ነዚ ብዝምልከት አካያዲት ሥራህ THI ዝኮነት ወለላ ሃይሌ ምስ ክንሸባ አብ ምስራህ ዘልዋ ልምዲ ተካፍል https://vimeo.com/helsekompetanse/review/195588752/9656732f6f