ኤች.አይ.ቪ ናይ ኣካልና ህማም ተከላከልቲ ህዋሳት ዘጥቅዕ ቫይረስ ዕዩ። በዚ ምክንያት ከዓ ኣካልና ንዝተፈላለዩ ህማማት ዝተቃልዐ ይኸዉን።ኤይድስ ተሰካሚ ኤች.አይ.ቪ ብሰንኪ ሳዕቤናት እቲ ቫይረስ ንህማም ክቃላዕ ከሎ ዝዋሃብ ሽምዩ።
እቲ ቫይረስ አብ ውሽጢ አካል ምስዝፀንህ፣መብዛህቶም ተሰከምቲ ኤች.አይ.ቪ ቫይረስ ብዝኮነ ኣጋጣሚ-ተፀባይ ህማም ክሃሙ ይክዕሉዮም።እዞም ኣጋጣሚ-ተፀባይ ህማማት ዝብሃሉ አብ ኣካልና ዝርከቡን ኣብ ንቡር ኩነታት ኣብ ዝርከብ ሰብ ፀገም ዘየምፅኡንዮም።
ብዝዕባዚ ዝበለፀ ንምንባብ : http://hivnorge.no/Om-hiv-aids/Hva-er-hiv
ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪ ብዝተፈላልዩ ቋንቋታት ንምንባብ: http://www.fhi.no/tema/hiv-og-aids/informasjon-paa-ulike-spraak
ኤች.አይ.ቪ እንታዩ?
ኤች.አይ.ቪ (human immunodeficiency virus) ንዝብል ኣህጽሮት እዩ። አብ ገለ ገለ ጽንህ ዝበሉ መጻህፍቲ HTLV-IIIን LAVን ተባሂሉ ይግለጽ ኔሩ። አብዚ ግዜዚ ግን HIV ተባሂሉ ጥራዩ ዝግለጽ።ኤች.አይ.ቪ ገለ ክፋል ህማም-ተኸላኸልቲ ህዋሳት ናይ ኣካልና ዘጥቅዕ ቫይረስ ዕዩ። እቲ ቫይረስ ናብ አካልና እንተአትው፣ ንገለ ክፋል ተኸላኸልቲ ከም ባክቴሪያ፣ ቫይረስን ፋንጊን ዝኮኑ ህዋሳትና የዳኽሞምዩ።
እቲ ቫይረስ አብ ውሽጢ አካል ምስዝፀንህ፣መብዛህቶም ተሰከምቲ ኤች.አይ.ቪ ቫይረስ ብዝኮነ ኣጋጣሚ-ተፀባይ ህማም ክሃሙ ይክዕሉዮም።እዞም ኣጋጣሚ-ተፀባይ ህማማት ዝብሃሉ አብ ኣካልና ዝርከቡን ኣብ ንቡር ኩነታት ኣብ ዝርከብ ሰብ ፀገም ዘየምፅኡንዮም። ንአብነት ናይፋንጊ ኢንፌክሽን፣ ቶኮፕላስምን ገለ ገለ ካንሰራትን ምጥቃስ ይከኣል።
ብኤች.አይ.ቪ ናይምትሃዝ(ኢንፌክሽን) ደረጃታት፥
ማንም ቫይረስ ኤች.ኣይ.ቪ ዝተላገቦ ሰብ፣ ኤች.ኣይ.ቪ ተታሂዙዩ ይበሃል። እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ከዓ ምልክታት-ህማም ዘርኢ ወይ ዘየርኢ ክከውን ይኽእል። ንኤች.ኣይ.ቪ ምትሃዝ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትሪኦ ይካኣልዩ።