ትቨርኩልቱረል ሄልሰ ኢንፎ ብ 2015 ብ ወ/ሮ ወለላ ሃይለ ተመስረተ።
ወለላ ሃይለ ብማህበረሰብኣዊ ጥዕና (Public Health) ናይ ካልዓይ ዲግሪ(ማስተርስ) ካብ ኦስሎ ዩኒቨርሲቲ ረኺባላ።ናይ መመረቂ ፅሁፍ (Thesis) ዘቅረበትሉ መፅናእቲዓ ብዛዕባ አብ ሞንጎ ተሰከምቲ ኤች ኣይ ቪ ዝኮና ዘይደቅ-ሃገር ደቅ ኣንስቲዮን ሃካይሞምን ዘሎ ርክብን ኣብ ጥቅሚ ኣስተርጎምቲን ዘተኮረ ኔሩ። አብዚ መፅናዕቲ እዚ ወለላ እቲ ዘሎ ርክብ ጽቡቅ ዝበሃል ከም ዘይኾነ፣ህጽረት ሃበሬታ ከምዘሎን ንኣስተርጎምቲ ብውሁድ ጥራይ ከምዝጥቀሙሎምን ክተርዒ ኪዒላላ።
ካብዚ ብተወሳኺ ወለላ ንብዙህ ዓመታት ዓብ ሞያ ህክምና ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሰሪሃላ።አብዘን ዓመታት ዘጋጠማ ከዓ ዘይደቅ-ሃገር ህክምና ደለይትን ቤተሰቦምን ግቡዕን አድማኢን ሃበሬታ ከምዘይረክቡዩ።ኣብ ገለ ገለ አጋጣሚታት ምናዳ፣ ንጌጋ ህክምና ብዘስዓበ ስዕነት ሃበሬታ ቀሊል ዘይበሃል ሓሰያ ኣብ ህክምና ደለይቲ በጺሁሎ።
ስለዚ ከዓ ናይ ወለላ ድልየት ንTHI አብ ኖርወይ ንዘይደቅ-ሃገር ደለይቲ ህክምና ግቡዕ ሃበሬታ ንክበጽሆም ዘሳልጥን ዝሰርህን ንኽከውንዩ።
አብዚ ህጂ እዋን THI 25 አባላት፣ክልተ ኣባላት ቦርዲ ፣ ሃደ መራሂ ባርድን ሃደ ኣካያዲ ስራህን ዘልዎ ትካልዩ።