Norsk
English
አማርኛ
ትግርኛ
عربى

ፕሮጀክትታት

  • ብዛዕባ ክንሻቦን ፣ንክንሻቦ ዝተቃልዓ ደቀአንስትዮ ክረክባኦ ንዝክዕላ አገልግሎት ጥዕናን፣ ብዝምልከት ዘሎ ፍልጠት ክብ ምባል

ብ2016ን ብ2017ን THI ካብ IMDi ብዛዕባ ክንሻቦን ንክንሻቦ ዝተቃልዓ ደቀ-አንስትዮ ክረክባኦ ንዝክዕላ አገልግሎት ጥዕናን ብዝምልከት ዘሎ ፍልጠት ንምውሳኽ ንክሰርህ ዘክዕሎ ሃገዝ ገንዘብ ረኺቡ ኔሩ።

  • ብዛዕባ አተኣባብያ ቆልዑ አብ ኖርዌይ ዘሎ ፍልጠት ክብ ምባል

ብ2016ን,2017ንን 2018ን THI ካብ Bufdir “አብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ተቐማጦ ኖርዌይ ፣ ብዛዕባ አተኣባብያ ቆልዑ አብ ኖርዌይ ዘሎ ፍልጠት ክብ ምባል” ንዝባሃል ፕሮጀክት ዝውዕል ሃገዝ ገንዘብ ረኺቡ ኔሩ።

  • ፕሮጀክት ኣንፃር ጽልኢ አብልዕሊ ኤች.አይ. ፖዘቲቭ ሰባት

THI ካብ መምርሂ ጥዕና ማለት Helsedirektoratet ንፕሮጀክት ‘ኖ ኣንፃር ጽልኢ አብልዕሊ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት’ ናይ ገንዘብ ሃገዝ ረኪቡ።

THI ዘይደቅ-ሃገር ዝኾኑ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት ብዝተካዕለ መጠን ንቡር ሂወቶም ብዘይ ምግላልን ፅልኢን ንክነብሩ የምህርን ግዴዑ ይፍፅምን። በዚ ተግባር ከዓ ዘይደቅ-ሃገር ዝኾኑ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት ዕኹል ዝኾነ ሃበሬታ ይረክቡሞ ሂወቶም ብዘይ ምግላልን ፅልኢን ይነብሩ ማለትዩ።

THI ብዛዕባዚ ፕሮጀክት ምስ HIVNorgeን Akseptን ይሃብር። ዘይደቅ-ሃገር ሰባት ካብ HIVNorgeን Akseptን ንኽጥቀሙ ዘድሊ ሃበሬታ አብ ምሃብ THI ይነጥፍ።
ከምኡውን THI ምስ ዘይደቅ-ሃገር ሰባት ማህበራት ዕምነትን ሃይማኖታትን ብዛዕባ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ሰባት ሃበሬታ ይህብ፣ ዝተፈላለዩ ዘርእሳቶም ብሮሹራት ይዕድል። ዕላማ ናይዚ ኣብ ከባቢታት ዘይደቅ-ሃገር ብዛዕባ ኤች.አይ.ቪ ፖዘቲቭ ዘሎ ነውርን ፅልኢትን ምክልኻልዩ።

ክትረኽቡና ትደልዩዶ?

THI – TVERRKULTURELL HELSEINFO 

Organisasjonsnummer: 916497997

Kontaktperson: Wolela Haile – Daglig leder

Tlf.: +47 936 019 48

Adresse: Brugata 1, 0186 Oslo

E-post: wolela@tverrkulturellhelse.info

SHARE: